ሓዳስ መጽሓፍ “የሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ መድሓኒና”
ሓዳስ መጽሓፍ ብፓስተር ይስሃቅ ሓይልኣብ ብውሕሉል ላዛን ኣገባብን እተጻሕፈት መጽሓፍ ወጺኣ ኣላ።
- የሱስ ክርስቶስ ካብ ዕብየት እንተናነቱን፡ ካብ ዕዘት ግብርታቱን ዝወጽእ እጽብ ዕብየት ክብሩውን ብቛንቋ ደቅ-ሰብ ክግለጽ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ብዘሎ ቕዱስ ጽሑፍ ከኣ፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ፡ እቲ ቐንዲ ተደላዩ ኣርእስቲ ዀይኑ ቐሪቡ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እዩ።
- ነፍሲ ወከፍ ገጽ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብገለ ገጹ ምስ እንተና የሱስ ክርስቶስ ወይ ምስ ግብሩ እተተሓሓዘ ነገር እዩ ዝዛረብ። ክርስትና፡ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። እቲ ቐንዲ እምኒ መኣዘን መሰረት እምነትና ኸኣ የሱስ ክርስቶስ እዩ።
- እቲ ቐዳማይ ክርክር ምህሮ ኣብ ታሪኽ ማሕበር ክርስቶስ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘሎዎ ዝምድናዊ ርክብ ዝምልከት እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብ እምነት ክርስትና ዝለዓል ክርክርውን፡ ኩሉ ሳዕ ኣንጻር እቲ ንጹር ምህሮ ስነ-ክርስቶስ ዝዓለመ እዩ።
- ነባቢ እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ንዘለዎ ምህሮ ስነ-ክርስቶስ ካብ መግለጽታት ቅዱሳት ጽሑፋት ተላዒሉ፡ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ታሪኽ ማሕበር ክርስቶስ ኣብ ዝመዓብለ ምህሮ ስነ-ክርስቶስ እተሰረተ ርድኢት ከም ዝህልዎ ንኽገብሮ እዩ።
ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ
ዕዩ ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ፡ ኣብ ምድላው መራሕትን ኣገልገልትን እቲ ህያው ቃል ኮይኑ፡ ንምህናጽ ማሕበር ክርስቶስ፡ ንቅድሳን ንኣገልግሎት ምዕጣቕ እዩ።
ትንተናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ተኸታታሊ ስብከታት
ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ
እዚ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ዝቘመን ዝካየድን ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ መርሓ-መደብን ራእይን ዕላማን እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ድማ፡ ምምሃር እቲ ህያው ቃል ሓቂ እዩ። ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ ኸኣ፡ ማሕበር ክርስቶስ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ የማናይ ኢዳ ዝሃበቶን (Endorsed) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተመዝጊቡ ሕጋዊ መሰሉ ዝለበሰን ተጠቃሚ ዅሉ መሰል ዘይ-ረብሓዊ (Not-for-profit Section 501(c)(3) Of The Internal Revenue Code) ድርጅት ዝዀነን ኣገልግሎት እዩ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኸኣ፡ ብፍላይ ነቲ ኣገልገልቲ ንምዕጣቕ ዝዓለመ ራእይ እዚ ኣገልግሎት ምምሃር ቃል ሓቂ እዚ ንኽፍጽም እተጀመረ ቤት ትምህርቲ እዩ።
መደብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ
ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ሓቂ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ዝውዳእ ትምህርትታት ዝህብ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቶም ዝውሃቡ ትምህርትታት ድማ ዕስራ ዀይኖም፡ ዓሰርተው-ኣርባዕተ ኻባታቶም ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮት (Theological Studies)፡ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ኻባታቶም ድማ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ (Biblical Studies) እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ቀዳሞት ሾብዓተ ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮትን (Theological Studies) ሰለስተ ትምህርትታት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን (Biblical Studies)፡ ብድምር ዓሰርተ ትምህርትታት፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዓመት ይውሃቡ። እቶም ዝተረፉ ሾብዓተ ኣርእስታዊ ትምህርትታት ስነ-መለኮትን (Theological Studies) ሰለስተ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን (Biblical Studies)፡ ብድምር ዓሰርተ ትምህርትታት ድማ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ዓመት ይውሃቡ። እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝውሃቡ ትምህርታት ከኣ፡ ኣኣብ ሓሙሽተ መቕርሕ (module) ተመቓሪሖም ይውሃቡ። ሓደ መቕርሕ (module) ድማ ሸሞንተ ሰሙናት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ኸኣ፡ ኣብ ሰሙን ሰሰለስተ ስዓት እናወሰደ፡ ኣብ ሾመንተ ሰሙን ይውዳእ። ስለዚ እቲ ንሓደ ትምህርቲ እተመደበሉ ጊዜ፡ ብሰሙን ሾመንተ ሰሙን፡ ብመዓልቲ ዓሰርተው-ሽዱሽተ መዓልቲ፡ ብሰዓት ድማ ዕስራን-ኣርባዕተን ስዓት እዩ።
ቀዳማይ ዓመት፦
- ትምህርቲ ቕዱሳት ጽሑፋት
- ትምህርቲ ሰብን ሓጢኣትን
- ትምህርቲ ስነ-ኣፈታትሓ መጽሓፍ ቅዱስ
- ትንተናዊ መጽናዕቲ መልእኽቲ ኤፌሶን
- ትምህርቲ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ
- ትምህርቲ ስላሰ እግዚኣሄር
- ትምህርቲ ምድሓን
- ትምህርቲ ስላሰ እግዚኣብሄር ካልኣይ ክፋል
- ትምህቲ መንፈስ ቅዱስ
- ትንተናዊ መጽናዕቲ ትንቢት ዳንኤል
ካልኣይ ዓመት፦
- ትምህቲ ኪዳናትን መጋቢነታትን
- ትምህርቲ መጽሓፍ ዘፍጥረት
- ትምህርቲ ማሕበር ህያው ኣምላኽ
- ትንተናዊ መጽናዕቲ 1ይ ጢሞቴዎስ
- መልእኽቲ ሮሜ
- ትምህርቲ ቕዱሳንን ርኹሳትን መላእኽቲ
- መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ
- ትምህርቲ ስነ-መወዳእታ
- ካልቪንነትን ኣርመንነትን ኣብ መንጽር ቅዱሳት ጽሑፋት
- ታሪኽ ቤተ ክርስትያን